English | ትግርኛ | አማርኛ

“ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ታጋሲሶምኒ።

ድምጺ’ኳ ከስምዕ ኣዝየ ፈሪሐ፤

ንኽልቴና ክቐትሉና ከም ዝኽእሉ ኣፈራሪሖምና።”

– ጓል 24 ዓመት ትግራወይቲ

“ናብ ገዛና ኣትዮም ክዘምቱ ጀሚሮም። ብእኡ ደው ኣይበሉን።

ዓጾምኒ።

ሓወይ ንዓይ ንምክልኻል ክቃለሶም ፈቲኑ፡ ከድሕነኒ ግን ኣይከኣለን።

ንዓይ ተጋሲሶም ምስ ወድኡ ንደገ ኣውጺኦም ቀቲሎሞ።”

– ጓል 21 ዓመት ትግራይወቲ

ትግራይ፤ ዘስካሕክሕ ወተሃደራዊ ምትሕብባር፡ ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት

​​“ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ታጋሲሶምኒ። ድምጺ’ኳ ከስምዕ ኣዝየ ፈሪሐ፤ ንኽልቴና ክቐትሉና ከም ዝኽእሉ ኣፈራሪሖምና”  ትብል ጓል 24 ዓመት ትግራወይቲ ስምረት* ሕጂ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ገዳርፍ’ያ እትቕመጥ።

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብታ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ሕቶ ይግብኣኒ ዘልዕላሉ ከባቢታት ኣብ እትርከብ ከተማ ሑመራ ትነብር ነይራ። ኣብ ወርሒ ጥሪ 2013 (ጥሪ 2021)፡ መጀመርታ ጾታዊ ጥቕዓት ክበጽሓ እንከሎ፡ ሑመራን ካልእ ከባቢታት ትግራይን ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር መንግስቲ ፌደራል፣ ሚሊሻታት ጐረቤት ክልል ኣምሓራን ሓይልታት ኤርትራን ነይሩ።  

ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ገዛኢ ሰልፍን ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ሰልፊ ህወሓትን ንኣዋርሕ ድሕሪ ዝነገሰ ወጥሪ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 (ሕዳር 2020)፡ ህወሓት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዓሚጹ። መራሕቲ ህወሓት ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ዝገብሩዎ ኣብያ ኣይሰመረን። ሰራዊቶም ድሕሪ ሓጺር ሰሙናት ብሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲን መላፍንቱን ተደፊኦም ወጺኦም።

ክልል ትግራይ፡ ካብ ወርሒ ለካቲት ክሳብ ሚያዝያ 2013 (ሚያዚያ 2021) ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ማእኸላይ መንግስቲ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብ ትካላት ጥዕና እቲ ክልል ልዕሊ ልዕሊ 1288 1200 ጾታዊ መጥቃዕታት ከም ዝተመዝገቡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ። ይኹን’ምበር፡ መብዛሕትአን ግዳያት ናብ ትካላት ጥዕና ከም ዘይኸዳ ንኣምነስቲ ተዛሪበን። ስለዚ፡ እዚ ኣሃዝ ኣብቲ ጐንጺ ዝተፈጸሙ ሒደት ጾታዊ ዓመጻት ዘርኢ እዩ። ዘ ሴንተር ፎር ኮላቦሬቲቭ ኢንቬስቲጌቲቭ ጆርናሊዝም [ሲሲኣይጄ] ኣብ ኢትዮጵያ፡ ጾታዊ ዓመጻት ዝምልከት ተወሳኺ መረዳእታታት ካብ ኣምነስቲ እንተሓተተ’ውን እቲ ትካል ከቕርብ ኣይክኣለን።

ኣብዚ መርመራ፡ ሲሲኣይጄ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ እቲ ኲናት ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ንዝነበረ ዶክተር ፋሲካ ዓምደስላሰ ኣዘራሪቡ’ዩ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ ቢሮ ካብ ጥቅምቲ 24 2013 (3 ሕዳር 20220) ክሳብ ወርሒ [ምጅማር እቲ ኲናት] ክሳብ ሰነ 2013 (10 ሰነ 2021) ኣብ ዘሎ ግዜ 1772 ጾታዊ መጥቃዕታት መዝጊቡ እዩ።

ብሰራዊት ፈደራል መንግስቲ፡ ሚሊሻ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ 2013 (2021) ዘተኻየደሎም ቦታታት

ብሰራዊት ፈደራል መንግስቲ፡ ሚሊሻ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ 2013 (2021) ዘተኻየደሎም ቦታታት

ምውሳኺ ቍጽሪ ናብ ሕክምና ዝመጽኣ ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ እቶም ንኸተማታት ተቖጻጺሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ መጠነ ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽ ይፍጽሙ ምንባሮም ዘርኢ’ዩ። ድሕሪኡ፡ መራኸብቲ ማዕኸናት፣ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላትን ሕቡራት መንግስታት ኣብ ታሕሳስ 2021 ዘቘሞ ኮሚሽንን መረዳእታታት ከውጽኡ ጀሚሮም። 

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ጐንጺ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ገበናት ኲናትን ንዝሕተቱ ገለ ወተሃደራት ተሓተትቲ ገይረ’የ ኢሉ’ዩ። እንተዀነ፡ ስፍሓት እቲ ዝተፈጸመ ጾታዊ መጥቃዕትን ዝተፈጸመሉ ስልታዊ ኩነታትን የነኣእሶ። “ዓሰርታት ወተሃደራት ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ሓዊሱ፡ ከበድቲ፣ ከበድቲ ቅጽዓታት ተዋሂቡዎም’ዩ” ክብል ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ጌዲኦን ጢሞቲዎስ ብነሓሰ 2013 (ነሓሰ 2021) ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።  

እቶም ስጕምቲ ተወሲዱዎም ዝበሎም እንኮላይ ንናይ ኣምሓራ ክልል ሰራዊት ዘጠቓልል እንተዀይኑ ግን ኣየነጸረን። ትካል CCIJ፡ ጾታዊ ዓመጽ ንዝወረደን ልዕሊ 10 ግዳያት ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠየቕ ግን እቲ ጥሕሰት ብሰራዊት ሚሊሻ ኣምሓራ፡ ሰራዊት ኤርትራን ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲን ከም ዝተፈጸመ ዘርኢ’ዩ።

ጢሞጢዎስ ነቲ ብሰራዊት መንግስቲ ተፈጺሙ ዝበሎ ጾታዊ ዓመጻት’ውን መጠኑ ኣንኢሱ’ዩ ኣቕሪቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቱ መጽናዕቲ ገይሩ፡ እቲ ደይ-መደይ ኢልካን ብስርዓትን ተፈጺሙ ዝተባህለ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘየሰማምዓሉ ድማ ይሕብር። “ካብ ሓቂ ዝረሓቐ፡ ኣዝዩ ዝተጋነነን ግቡእ መደገፍታ ዘይብሉን፡” ክብል ድማ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ካልእ ግፍዕታት፡ ጾታዊ ዓመጽ ብዘተሓሳስብን መጠን ምፍጻሙ ጸብጺቡ። እቲ ጸብጻብ ቅድሚ ምዝርጋሑ ግን ሚኒስተር ደቀንስትዮ ዝነበረት ፊልሳን ዓብዲ ሚኒስትሪኣ ነቲ ዝኣከቦ ሓበሬታ ጾታዊ መግሃስታት ብመንግስቲ ከም ዝቕበር ስለ ዝተገብረ ካብ መዝነታ ብፍቓዳ ወሪዳ።

ፈጸምቲ ጾታዊ ዓመጽ ግን ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ተሓባበርቶምን ጥራይ ኣይነበሩን። ትካል CCIJ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ ሰራዊት ትግራይ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብቲ ዝቆጻጸሮ ዝነበረ ቦታታት ሕነ ናይ ናይ ምፍዳይ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ግፍዕታትን ፈጺሙ’ዩ። እቲ ብወገን ወታህደራት ትግራይ ዝተፈጸመ ጾታዊ መጥቃዕቲ’ውን ንጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም’ዩ።

ኵላቶም ግድዒ ዝፈጸሙ ኣካላት ብዘይ ዝዀነ መቕጻዕቲን ተሓታትነትን’ዮም ፈጺሞም። ግዳያት ድማ ካብ ደቂ 13 ክሳብ ዓበይቲ ኣደታት’የን። ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ህወሓትን ኣብ ጥቅምቲ 2015 (ሕዳር 2022) ድሕሪ ምኽታሙ’ውን ንፈጸምቶ ግፍዒ ናብ ተሓታትነት ዘቕርብ ወይ ድማ ንግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ሓገዝ ዝህብ ወገን ኣይተርእየን፡ ኣብቲ ስምምዕ’ውን ኣይተጠቕሰን

ምስ ጓላ ኣብ ለካታቲ 2021 ብሚሊሻ ኣምሓራ ከም ዝተደፍረት እትሕብር ጓል 50 ዓመት ኣደ፡ “ህይወትና ተዘሪጉ’ዩ፡” ትብል። “ከም ናይ ቅድም ሕጂ ዝመሳሰል ማሕበራዊ ህይወት የብልናን፡” ትብል ቅድሚ ብስቕታ ምውሓጣ።

“እቲ መጋየጺታት ምስ ወሰዱ ክወጽኡ ኢሎም ነይሮም፤ እቶም ሰለስተ ግን ናይ ምዕማጽ ሓሳብ ኣምጺኦም።

ንዓይ ድላዮም ክገብሩ ነተን ደቀይ ግን ክምሕሩወን ተማሕጺነዮም።

ግን፡ ነተን ደቂ 19ን 25ን ዓመት ዝዀና ደቀይ ምስ ዓመጹ ንዓይን’ውን ዓሚጾምኒ”

– ጓል 52 ዓመት ትግራይወቲ ኣደ

ካብ ተሓታትነት ፈጺሞም ዝረሓቑ ፈጸምቲ ግፍዒ

ምስ ካልእ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተራእየ መጠናዊ’ውን ይዅን ምእማን በደል ምስ ናይ ኤርትራ ክነጻጸር እንከሎ፡ ፍትሓዊ’ዩ ንምባሉ’ውን ዘኽእል’ዩ። ሰራዊት ኤርትራ ንዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ከም ዝተጠቕሙሉ ብዙሓት መረዳእታት ኣሎ።

CCIJ ካብ ዘዘራረበን 13 ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ እተን ሓሙሽተ ብሰራዊት ኤርትራ ምድፋርን ይነግራ። እንተዀነ ሰራዊት ኤርትራ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኰነ ማሕበረሰብ ዓለም ዝበጽሖም ተሓታትነት ዛጊት የሎን። እታ ግልልቲ ሃገር ኤርትራ ሰሜን ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ” ተባሂላ’ያ እትጽዋዕ።

ስምረት እቶም ዝደፈሩዎ ወታህደራዊ ክዳን ኤርትራ ለቢሶም ምንባሮም ትሕብር። “ካብ ፈለማ’ውን መንነቶም ክሓብኡ ኣይፈተኑን፡ ኤርትራውያን ምዃኖም ብግልጺ’ዮም ሓቢሮም፡” ትብል።

ካልእ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ካብ ሑመራ ዝሃደመት’ሞ ብትሽዓት ወታህደራት ከም ዝተደፍረት እትሕብር ጓል 17 ዓመት መንእሰይ፡ “ብትኽክል ኣይዝክሮን’የ። ሓሙሽተ ወታህደራት ኤርትራ’ዮም፡” ትብል። መነንት ናይቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ግን ክትሕብር ኣይከኣለትን። ሃለዋታ ምጥፋኣ’ያ እትነግር። “ከምዚ ሕማቕ ሕልሚ እቶም ኣርባዕተ ጥራይ’የ ዝዝክር። ኣምሓርኛ’ዮም ዝዛረቡ ነይሮም፡” ድማ ትብል።

ንሳ ከም እትገልጾ እቲ ምግሳስ ኣብ ፈለማ ለካቲት 2021’ዩ ኣጋጢሙ። እቶም ወታሃደራት ናብቲ መዓስከር ክትከይድ ነጊሮማ። “ተኲሶም ከይቀትሉኒ ስግኣት ነይሩኒ። ስለዚ ከኣ ከምቲ ዝበሉኒ ገይረ። ኣብቲ መዓከር ምስ ኣቶና ግን ክዳነይ ኣውጺኦም በብተራ ክጋሰሱኒ ጀሚሮም፡” ትብል።

እንተዀነ እቲ ዘጋጠማ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብእኡ ኣይተወድአን። ንሳ ከም እትሕብሮ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ንሳን ካልኦት ካብ ዓዲጌሹ ዝተመዛበሉ ንሑመራ ኣትዮም። “ደው ንኽንብል ኣዚዞምና፡ ንኻልኦት ክኸዱ ነጊሮም ድማ ንዓይ ኣትሪፎምኒ። ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት ገዛ ክኣቱ ኣገዲዶም ድማ ተጋሲሶምኒ፡” ትብል።

ኣብ ዓዲ-ገሹ፡ ጓል 31 ሰበይቲ ካብ ቤተ ክርስትያን እናተመልሰት ብሓሙሽተ ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተዓግተት ትዛረብ። “ኣብ ከባቢና’ዮም ተቐሚጦም ነይሮም። ናብ ሓደ ገዛ ክኣቱ ኣገዲዶም ድማ ዓሚጾምኒ፡” ትብል።

ብበይኖም ተሓለቕቲ ትካላት ኣብ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ዝበዝሕ ጾታዊ መግሃስታት ብሰራዊት ኤርትራ ምፍጻሙ የመልክቱ። ሓደ ካብ ሰለስተ ዝተፈጸመ ጾታዊ ጥሕሰት ብሰራዊት ኤርትራ ምዃኑ ብትካል ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዝተሓትመ ጸብጻብ ይጠቅስ።

 “ወተሃደራት መንግስቲ ገዛ-ገዛ እናኣተዉ ደገፍቲ ህወሓት ይደልዩ ነይሮም።

ደጋፊት ህወሓት ዘይምዃነይ ነጊረ ናይ ስራሕ ወረቐት ኣርእየዮም።

ግን ገጸይ ብጽፍዒት ሃሪሞም እናተበራረዩ ዓሚጾምኒ”

– ጓል 37 ዓመት ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝነበረት

ሕነ ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኸደ ቂም

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ክኣትዉ ዝገበሮም፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዝነበረ ፍቕሪን ጽልኢን ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን መራሕቲ ህወሓትን’ዩ።

ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንምፍላይ ቃልሲ ንናጽነት እናካየደት ህወሓት ኣብ ጎድኒ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ’ዮም ነይሮም። ዋላ’ኳ ዝምድና ክልተ ውድባት ውረድ-ደይብ እንተ ነበሮ፡ ብሓባር ኰይኖም ግን ኣንጻር’ቲ ማሕበራዊ ደምበ ስርዓት ደርግ ተቓሊሶም ኣብ 1983 (1991) ድማ ስዒሮሞ። ኤርትራ ከም ሃገር ተፈልያ፡ ህወሓት ድማ ምስ ካልኦት ውድባት ኢትዮጵያ ብምዃን ኣዲስ-ኣበባ ኣትዩ።

ቅድሚ ምፍላይ ኤርትራ ዶባት ክልተ ወገናት ክሳብ ክንድቲ ኣገዳስነት ኣይነበሮን። ኵሉ ኣካል ምምሕዳር ኢትዮጵያ’ዩ ነይሩ። ድሒሩ ግን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ባድመ መሬቶም ምዃና ኣመልኪቱ፡ እዚ ድማ ብመራሕቲ ህወሓት ቅቡል ኣይነበረን።

ህወሓት ዝመርሖ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝወሰደ ዶባዊ ኲናት ኤርትራ-ኢትዮጵያ 1990 (1998) ተጸሚዱ። ናይ ቀደም መላፍንቲ ኣካላት ሓደስቲ ጸላእቲ ኰይኖም።

ኣብ 1992 (2000) ኣብ መንጎ ክልተ መንግስታት ዝተፈረመ ስምምዕ ኣልጀርስ ነቲ ጎንጺ የዕሪፉዎ። እቲ ዶባዊ ግጭት ናብ ዘ-ሄግ ኣምሪሑ። ቤት ፍርዲ ነቲ ኣካራኻሪ ቦታ ባድመ ንኤርትራ ወሲኑ። ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ኣዲስ-ኣበባ ግን ንውሳነ ቤት ፍርዲ ኣይተቐበሎን።

እዚ ዝመስል ሰንፈላል ሃዋሁ፡ ነቲ ካብ ፈለማ ስልጣን ሒዙ ዘይለቐቐን ንመንእሰያት ሃገሩ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘንበረን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ወትሩ ተጠንቀቕ ከም ዝኸውን ገይሩዎ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ 2011 (2019) ምስ ኤርትራ ዘሎ ዝድምና ከም ዝመሓየሽ ስለ ዝገበረ ሽልማት ኖበል ሰላም ወሲዱ። ኣብ ፈለማ “ስርሒት ምንጋስ ሕጊ” ኢሉ ዝጀመሮ ኲናት ኣንጻር መራሕቲ ትግራይ ግን ናብ ዓማሚ ኲናት ልሒሙ። ሰራዊት ኤርትራ ድማ ኣብቲ ኲናት ተጸንቢሮም።

ኣብ ባይታ ዝማዕበለ ግን ኲንዮ ምንጋስ ሕጊ ነዊሕ ሱር ዘለዎ ቂም ኣብ ምድቃስ ከም ዘምርሑ ርዱእ ይመስል።

1953-1983
(1961-1991)
ኤርትራ ቃልሲ ንናጽነት ኣንጻር ኢትዮጵያ ኣካዪዳ።
ህወሓት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ይድግፍ ነይሩ
1983
(1991)
ኤርትራን ህወሓትን ሓቢሮም ንማሕበራዊ ስርዓት ደርግ ስዒሮም።

ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ናጽነታ ረኺባ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ ፕረዚደንት ኤርትራ ኰይኑ።

ኢትዮጵያ ብልፍናታዊ ውድባት ኢህወደግ ክትመሓደር ጀሚራ። እቲ ዓባላሊ ውድብ ግን ህወሓት’ዩ።

1990
1998
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዶባዊ ግጭት ኣጋጢሙ።

ብህወሓት ዝዕበለል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ኤርትራ ኲናት ጀሚሩ።

1992
(2000)
ክልተ ዓመት ዝወሰደ ዶባዊ ኲናት ንምዕራፍ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ኣልጀርስ ፈሪመን።
1994
(2002)
ኣብ ዘ-ሄግ ዝመደበሩ ኮሚሽን ባድመ ንኤርትራ ክትወሃብ ፈሪዱ።

ብህወሓት ዝዕበለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ኣይተቐበሎን።

2010
(2018)
ኢህወደግ ንኣብይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ መሪጹ።

ኣብዪ ኣባል ህወሓት እኳ እንተዘይኰነ፡ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኢህወደግ ኰይኑ ግን ኣገልጊሉ’ዩ።

2011
(2019)
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ዝምድና ናብ ንቡር ብምምላሱ ብ2019 ሽልማት ኖበል ሰላም ወሲዱ።
2013.02
(2020.11)
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ህወሓት ኲናት ጀሚሩ።

ኤርትራ ድማ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፋ።

2014.06
(2022.03)
ኣብ መንጐ ተቓለስቲ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ፈላማይ ምቁራጽ ተጻብኦ ተገይሩ።
2014.10
(2022.08)
ኲናት ዳግም ጀሚሩ
2015.03
(2022.11)
ካልኣይ ምቍራጽ ተጻብኦታት

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ክኣትዉ ዝገበሮም፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዝነበረ ፍቕሪን ጽልኢን ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን መራሕቲ ህወሓትን’ዩ።

ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንምፍላይ ቃልሲ ንናጽነት እናካየደት ህወሓት ኣብ ጎድኒ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ’ዮም ነይሮም። ዋላ’ኳ ዝምድና ክልተ ውድባት ውረድ-ደይብ እንተ ነበሮ፡ ብሓባር ኰይኖም ግን ኣንጻር’ቲ ማሕበራዊ ደምበ ስርዓት ደርግ ተቓሊሶም ኣብ 1983 (1991) ድማ ስዒሮሞ። ኤርትራ ከም ሃገር ተፈልያ፡ ህወሓት ድማ ምስ ካልኦት ውድባት ኢትዮጵያ ብምዃን ኣዲስ-ኣበባ ኣትዩ።

ቅድሚ ምፍላይ ኤርትራ ዶባት ክልተ ወገናት ክሳብ ክንድቲ ኣገዳስነት ኣይነበሮን። ኵሉ ኣካል ምምሕዳር ኢትዮጵያ’ዩ ነይሩ። ድሒሩ ግን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ባድመ መሬቶም ምዃና ኣመልኪቱ፡ እዚ ድማ ብመራሕቲ ህወሓት ቅቡል ኣይነበረን።

ህወሓት ዝመርሖ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝወሰደ ዶባዊ ኲናት ኤርትራ-ኢትዮጵያ 1990 (1998) ተጸሚዱ። ናይ ቀደም መላፍንቲ ኣካላት ሓደስቲ ጸላእቲ ኰይኖም።

ኣብ 1992 (2000) ኣብ መንጎ ክልተ መንግስታት ዝተፈረመ ስምምዕ ኣልጀርስ ነቲ ጎንጺ የዕሪፉዎ። እቲ ዶባዊ ግጭት ናብ ዘ-ሄግ ኣምሪሑ። ቤት ፍርዲ ነቲ ኣካራኻሪ ቦታ ባድመ ንኤርትራ ወሲኑ። ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ኣዲስ-ኣበባ ግን ንውሳነ ቤት ፍርዲ ኣይተቐበሎን።

እዚ ዝመስል ሰንፈላል ሃዋሁ፡ ነቲ ካብ ፈለማ ስልጣን ሒዙ ዘይለቐቐን ንመንእሰያት ሃገሩ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘንበረን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ወትሩ ተጠንቀቕ ከም ዝኸውን ገይሩዎ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ 2011 (2019) ምስ ኤርትራ ዘሎ ዝድምና ከም ዝመሓየሽ ስለ ዝገበረ ሽልማት ኖበል ሰላም ወሲዱ። ኣብ ፈለማ “ስርሒት ምንጋስ ሕጊ” ኢሉ ዝጀመሮ ኲናት ኣንጻር መራሕቲ ትግራይ ግን ናብ ዓማሚ ኲናት ልሒሙ። ሰራዊት ኤርትራ ድማ ኣብቲ ኲናት ተጸንቢሮም።

ኣብ ባይታ ዝማዕበለ ግን ኲንዮ ምንጋስ ሕጊ ነዊሕ ሱር ዘለዎ ቂም ኣብ ምድቃስ ከም ዘምርሑ ርዱእ ይመስል።

1953-1983
(1961-1991)
ኤርትራ ቃልሲ ንናጽነት ኣንጻር ኢትዮጵያ ኣካዪዳ።
ህወሓት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ይድግፍ ነይሩ
1983
(1991)
ኤርትራን ህወሓትን ሓቢሮም ንማሕበራዊ ስርዓት ደርግ ስዒሮም።

ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ናጽነታ ረኺባ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ ፕረዚደንት ኤርትራ ኰይኑ።

ኢትዮጵያ ብልፍናታዊ ውድባት ኢህወደግ ክትመሓደር ጀሚራ። እቲ ዓባላሊ ውድብ ግን ህወሓት’ዩ።

1990
1998
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዶባዊ ግጭት ኣጋጢሙ።

ብህወሓት ዝዕበለል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ኤርትራ ኲናት ጀሚሩ።

1992
(2000)
ክልተ ዓመት ዝወሰደ ዶባዊ ኲናት ንምዕራፍ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ኣልጀርስ ፈሪመን።
1994
(2002)
ኣብ ዘ-ሄግ ዝመደበሩ ኮሚሽን ባድመ ንኤርትራ ክትወሃብ ፈሪዱ።

ብህወሓት ዝዕበለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ኣይተቐበሎን።

2010
(2018)
ኢህወደግ ንኣብይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ መሪጹ።

ኣብዪ ኣባል ህወሓት እኳ እንተዘይኰነ፡ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኢህወደግ ኰይኑ ግን ኣገልጊሉ’ዩ።

2011
(2019)
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ዝምድና ናብ ንቡር ብምምላሱ ብ2019 ሽልማት ኖበል ሰላም ወሲዱ።
2013.02
(2020.11)
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ህወሓት ኲናት ጀሚሩ።

ኤርትራ ድማ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፋ።

2014.06
(2022.03)
ኣብ መንጐ ተቓለስቲ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ፈላማይ ምቁራጽ ተጻብኦ ተገይሩ።
2014.10
(2022.08)
ኲናት ዳግም ጀሚሩ
2015.03
(2022.11)
ካልኣይ ምቍራጽ ተጻብኦታት

“ገሊአን ግዳያት፡ እቶም ወተሃደራት ብጉጅለ ኰይኖም ክጋሰሱወን እንከለው ደምክን ካብ ዘርኢ ትግራይ ከነጽርዮ ኢና ይብሉወን ነይሮም፡”

– ልዋም ገብረስላሴ ነርስ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ገዳርፍ

ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሑ ኲናት

ዝተፈላለዩ ጸብጻባት፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ኣዋልድን ዝፈጸሙዎ ጾታዊ መግሃስታት ኣመልኪቱ ኣሎ። ሓንቲ ኣብነት ብምጥቃስ ግን ንመጠን ስፍሒን እቲ ዝተፈጸመ በደል ዘርኢ’ዩ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት 2013 (መጋቢት 2021) ሓንቲ ትግራወይቲ ኣደ ብ23 ወታሃደራት ኤርትራ ከም ዝተዓመጸት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ይባጻሕ ነይሩ። ሓካይም ካብ ማህጸና መስማር፡ ፕላስቲክን ካልእ ጸጸርን እናውጽኡላ ይርአ ነይሩ።

ቾቹ ናምጋበ፡ ዓለምለኸ መጋብኣያ ንጾታዊ መግሃስቲ ኣብ ትሕቲ መሳርሒ ኲናት ክጽብጽቦ እትጣበቕ ጓል ኮንጎ’ያ። ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ጃማላዊ ዓመጽ ክትገልጾ እንከላ ድማ “ናብቶም ጸላእቲ ዝተባህሉ ዝስደድ መልእኽቲ’ዩ፡ ዓወቶም ኣብ ልዕሊ ኣካላት ደቀንስትዮ’ዮም ዘመስክሩ፡” ትብል።

ንሳ ወሲኻ፡ “ኣብ ኮንጎ ፈለማ ንጾታዊ ድሌት ንምርዋይ ዝዓለመ ይመስለና ነይሩ። ዳሕራይ ግን ከምኡ ዘይምዃኑ ተገንዚብና። ፈጸምቲ፡ ነባሪ ስንብራትን ቃንዛን ንምግዳፍ ዝገብሩዎ’ዩ፡” ከኣ ትብል።

ካትሪን ኮፐንስ፡ ንጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም ደው ንምባል ኣብ ዝሰርሕ ትካል ማእከል ዶክተር ደኒስ ሙክወገ ፈጻሚት ዳይረክተር’ያ። ንሳ ኣብ መንጎ ብቀይዲ-ኣልቦ ወታህደራት ዝግበር ዓመጽን ደይ መደይ ኢልካ ንነባሪ ሕፍረት ንምግዳፍ ዝግበር ተግባራትን ፈላልያ ተቐምጥ። እቶም ንዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ዝጥቀሙ ወገናት ዕድመ ከይፈለዩ ካብ ንኣሽቱ ቆልዑ ክሳብ ኣረጋውያን ኣንስቲ’ዮም ዝጋሰሱ። እቲ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ድማ ኣዝዩ ኣልማማ ኰይኑ፡ ከም ምቝራጽ ጡብን ማህሰይቲ ብልዕቲን ዝኣመሰለ ነባሪ ስንባራት ከም ዘትርፍ ይግበር።

ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ክውዕል እንከሎ፡ እቲ መግሃስቲ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ስድራ ከም ዝካየድ’ውን ካትሪንን ኮፐንስ ተረድእ። በደልቲ ድማ ብተደጋጋሚ ግዜ ዘርኢ-ተኰር ዘለፋ የውርዱ።

“ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ኲናት ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት’ዩ ዝዝውተር። እዚ ከኣ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ባህሊ ንጾታዊ ዓመጽ ከም ነውሪ ስለ ዝወስድ፡ ራዕዲን ሕፍረትን ንምፍጣር ብሉጽ መሳርሒ ይገብሮ።”

“እቲ ስንብራት ንወለዶታት ዝቕጽል’ዩ፡” ብምባል ድማ ትውስኽ።

CCIJ ኣብ ዝገበሮ መሕተት፡ ዝበዝሓ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝወረደን ተጋሩ ተመሳሳሊ ተግባራት ምግጣሙ ይሕብራ። እቶም ግፍዒ ዘውርዱ ወታህደራት ካብ ደቂ 13 ክሳብ ደቂ 65 ከም ዝደፈሩ ይፍለጥ። ካብተን ቃለ-መጠየቕ ዝተኻየደን 13 ግዳያት እተን 12 ብጕጅለ ምዕማጸን ይነግራ። ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዝነበረ ዶክተር ፋሲካ ዓምደስላሴ ንሱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብሰራዊት ኤርትራ ይዅኑ ካልኦት ዝተፈጸመ ጾታዊ መግሃስታት መርኣያ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ምዃኑ ይነግር።

ዳርጋ ኵላቶም እቶም ዝተሓበሩ ዓመጻት ብጕጅለ ዝተፈጸሙ’ዮም። እተን ግዳያት ድማ ካብ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ህጻናት ክሳብ ዓባይ ሰበይቲ ይርከብአን። ከም ፈለስቲ ዝኣመሰላ ኣመንቲ’ውን ግዳይ መድፈርቲ ኰይነን፡ እቲ ዝወርድ ዝነበረ ጸርፍታት ድማ ዓሌት-ተኰር’ዩ፡” ይብል ዶክተር ፋሲካ።

ወሲኹ ድማ “ጾታዊ ጊልያነት’ውን ይርአ ነይሩ’ዩ። እኩባት ወታሃደራት ዓሰርተታት ደቀንስትዮ ኣኪቦም ናብ መዓስከሮም ይወስዱወን። ኣብኡ ንሰሙናት ዝኸውን ኣበራርዮም ይዕምጹወን። ኣብ መወዳእታ ድማ ምስ ሓመማ ይጕሕፉወን ወይ ድማ ቀቲሎም ይድርብዩወን፡” ይብል።

“ገለ ካብቶም ወተሃደራት እናዓመጹወን፡ ማህጸንክን ካብ ዘርኢ ትግራይ ከነጽርዮ ኢና፡” ይብሉወን ምንባሮም ኣብ ገዳርፍ ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ትሕክም ዝነበረት ነርስ ሉዋም ገብረስላሴ ን CCIJ ሓቢራ።

“ክገድፉኒ ለሚነዮም።

ዓባይ’የ ግደፉኒ በጃኹም ኢለዮም፡ ንሱ ግን ደው ኣየበሎምን።”

– ጓል 65 ትግራወይቲ ኣደ

ተኽእሎታት ንተሓታትነት

መንግስቲ ኤርትራ፡ ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ንዝተጠቕሙ ሰራዊቱ፡ ክቐጽዕስ ይትረፍ ቅሬታ’ውን ኣየርኣየን። መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ነቲ ናይ ተሓታትነት ጉዳይ ኪንዮ ዶባቱ ከተግብሮ ዝደሊ ኣይመስልን። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ነቲ ብኽኢልታት ሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ ጸብጻብ ነጺጉዎ’ዩ። እቲ ጸብጻብ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ተሓባበርቶን ከም ጾታዊ ዓመጽ ዝኣመሰሉ ብዙሕ ግፍዕታት ምፍጻሞም ዘመልክት’ዩ። እቲ ጸብጻብ ድማ ነቲ ተግባር ምስ ገበናት ኣንጻር ኲናት ይምድቦ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንትግራይ ዘምሓድርን ወገንን ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ፈሪሞም። እቲ ስምምዕ ግን ብዛዕባ ፈጸምቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝግበኦም ፍርዲ ዝረኽቡሉ መገዲ ኣይጠቐሰን።

እዚ ግን ኵላተን እተን ጾታዊ ዓመጽ ዝወረደን ብዘይ ተሓታትነትን ክኸዳ ማለት ከም ዘይኰነ ካብ Coalition for Genocide Response ኣብ ዝተባህለ ትካል እትሰርሕ ዶክተር አዊላ ኦቻብ። እቲ ትካል፡ ንሕቡራት ሃገራት ብሕልፊ እኳ ኣብ ጾታዊ ዓመጽ ተሓታትነት ዝግበረሉ መገዲ ክፍጠር ጸቕጢ ኣብ ምግባር ይርከብ።

እቲ መርበብ ትካሎም እንኮላይ ንኢትዮጵያ ክዝርጋሕን ተመሳሳሊ ኣበርክቶ ክህሉዎ ከም ዝሰርሑን ኦቻብ ትሕብር። ንሳ ከም ኣብነት ናይ ምስፍሕ እዚ ዝመስል መርበብ ኢላ እትጠቕሶ ብሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝተፈጸመ ግድዕታት’ዩ። “ተሓታትነት ንምስፋን ነዊሕ ክወስድ ከም ዝኽእል ከኣ ሓደ ኣብነት’ዩ፡” ትብል። እንተዀነ እቲ ትስፉው ኢላ እትገልጾ፡ 18 ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተሓታትነት ክህሉ ስራሕ ምጅማረን ትነግር።

ኦቻብ ከም ካልእ ኣማራጺ ኢላ እትሓስቦ ድማ ከም ናይ ቀደም ዩጎዝላቪያን ርዋንዳን ዝመርመረ ዓለማዊ ገበናዊ መጋብኣያ ተመሳሳሊ ስራሕ’ውን ክሰርሕ ከም ዝኽእል’ዩ።

ክልተኦም መጋብኣያታት ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝቖሙ’ዮም። ከም ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት እቲ ቤት ፍርዲ ካብ ዝቖመሉ 1987 (1995) ኣትሒዙ፡ 93 ዜጋታት በበይኖም ሃገራት ፈሪዱ ኣሎ። እዚኣቶም መራሕቲ ሃገራት፡ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ይርከቡዎም።

“ሕጂ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ጾታዊ ዓመጻት ብሰፊሕ ምክያዱ ጸብጺቡ ኣሎ። እዚ ከኣ ናብቲ ዝቕጽል ግዜያዊ ቤት ፍርዲ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ምፍጥራ ሓደ ስጕምቲ’ዩ። እዚ ንባዕሉ ሓደ ጽቡቕ ምዕባለ ኰይኑ ይስመዓኒ። ኣብ በዓል ርዋንዳ’ውን ከምኡ’ዩ ኰይኑ፡” ትብል ኦቻብ።

ንሃገራት ድማ ኣብያተ-ፍርደን፡ እቲ ገበን ኣበይ ቦታ ተፈጺሙ ብዘየገድስ፡ ብዜጋታተን ዝሓታሉ መገዲ ክፈጥራ ትጽውዕ። እዚ ዝመስል ተርእዮታት ኣብ ገበናት ኲናት፡ ዘርኢ ምጥፋእን ልዑል በደላትን ዝርአ’ዩ።

ሓደ ናይዚ ኣብነት እሸቱ ኣለሙ ዝተባህለ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ነበር’ዩ። ንሱ ኣብ 1970ታት ን75 ዜጋታት ንኽርሸኑ ትእዛዝ ሂቡ። ኣብ 2017 ድማ ኣብ ኔዘላንድስ ንሕልፈት ተፈሪዱ። ኣብ 2013 (2022) ይግባይ ኢሉ ነይሩ። ቤት ፍርዲ ግን ነቲ ውሳነ ኣጽኒዑዎ’ዩ

ካልእ ተመሳሳሊ ኣብነት ቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ላይበሪያ ገበናት ፈጺሞም ንዝበሎም ዜጋታት እታ ሃገር ብዓለማዊ መጋብኣያ ገበናት ክሲሱ። ናይዚ ኣብነት ድማ ኣብ ሰነ 18 2021 ፈደራላዊ መጋብኣያ ስዊዘርላንድ ንኣሊዩ ኮሲያ ዝተባህለ ናይ ቅድም ወተሃደራዊ ኣዛዚ ላይበሪያ ብቕትለት፡ ዓመጽን ካልእን ገበነኛ ኰይኑ ስለ ዝረኸብ ን20 ዓመታት ማእሰርቲ ፈሪዱዎ። ኮሲያ ይግባይ ኢሉ፡ ቤት ፍርዲ ድማ ንጥሪ 2023 ነቲ ይግባይ ክሰርምዖ’ዩ።

ኦቻብ እምበኣር እተን ንኸምዚ ዓለማዊ ገበናት ክፈርዱ ብቕዓት ዘለዎም ደያኑ ዘለወን ሃገራት ተመሳሳሊ ስራሕ ክገብራ’ያ እትጽውዕ። እንተዀነ እዚ’ውን ናቱ ጸገማት ኣይሰኣኖን’ዩ። “ፈረድቲ ጭቡጥ መርትዖ ከቕርቡ ከድልዮም’ዩ። እዚ ድማ ምስቲ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕጽዋ ዝከኣል ኣይመስልን፡” ትብል።

“ፈለማ ሓሙሽት ኣባላት ሚሊሻ ዓሚጾምኒ ከይዶም። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ድማ ካልኦት ሽዱሽተ መጺኦም ዓሚጾምኒ።

ናይ ኣምሓራ ሚሊሻ’ዮም። ናብ ሱዳን ክሳብ ዝስደድ ናብ ሕክምና ኣይከድኩን።

ኣብቲ ናብ ሆስፒታል ዝከድኩሉ ሰዓት ግን እቲ ቫይረስ ንምክልኻል መድሃኒታት ምውሳድ እቲ ግዜ ዘንጊዑ ነይሩ። ሕጂ ኤች.ኣይ.ቪ ኣብ ደመይ ኣሎ።”

– ጓል 47 ትግራወይቲ ሰበይቲ

ስእነት ተሓታትነት ንኻልእ ተመሳሳሊ ተግባራት ይመርሕ

ጾታዊ ግፍዒ ኣብ ትግራይ ጥራይ ደው ኣይበለን። ፈጸምቲ እቲ ተግባራት’ውን ሰራዊት ፈደራል፡ ሚሊሻ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ጥራይ ኣይኰኑን። ሰራዊት ትግራይ’ውን ብተመሳስሊ ከምቲ ኣብ መሬቶም ዝተፈጸመ ጾታዊ ግህሰት፡ ንሳቶም’ውን ኣብ ካልእ ክልላት ተመሳሳሊ ግፍዒ ፈጺሞም’ዮም።

ካብ መዝነታ ዝወረደት ሚኒስተር ነበር ዓብዲ ንጋዜጣ ዋሺንግተን ፖስት ከም ዝሓበረቶ፡ ሓንሳብ ተሓታትነት እንተ ዝነብር እቲ ተግባር ናብ ካልእ ክሰግር ዝነበሮ ተኽእሎ ውሑድ ምዃኑ ትምጕት።

መጠን ናይቲ ዝወረደ ጾታዊ ዓመጻት CCIJ ሓደ ርጡብ ኣሃዝ ክረክብ ኣይከኣለን። ኣብ ሆስፒታላት ክልል ኣምሓራ ዝሰርሑ ሓካይም ግን ኣማኢት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ምሕካሞም ይነግሩ። ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝነጥፍ ትካል 26 ተርእዮታት ጾታዊ መግሃስታት ኣብ ትግራይ ከምኡ’ውን ክልተ ኣብ ክልል ዓፋር መዝጊቡ ኣሎ። እዚ ብሰራዊት ትግራይ ዝተፈጸመ ምዃኑ’ዩ።

ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ንትካል ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ከም ዝነገሩዎ ግን ኣብ ንፋስ መውጫ እትብሃል ከተማ ኣምሓራ ኣስታት 70 ደቀንስትዮ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ምዃነን’ዩ። ኣምንስቲ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ድማ ኣብቲ ከተማ 16 ግዳያት ዓመጽ መዝጊቡ።

ምሕረት* ሓንቲ ካብተን ግዳያት ሕነ ምፍዳይ ጾታዊ ዓመጽ ብሰራዊት ህወሓት ዝዀነት’ያ። እቲ ዘጋጠማ ሽግር 26 ነሓሰ 2013 (ሓደ መስከረም 2021) ኣብ ቀኖ ዝተባህለ ቦታ’ዩ ዝጅምር። ኣብቲ ቡን እትሸጠሉ ቦታ ሽዱሽተ ዕጡቓት መጺኦም ብጃምላ ተጋሲሶማ። ድሒሩ ኣብ ዝቐጸለ ኣርባዕተ መዓልታት ወታሃደራት ትግራይ መላሊሶም ከም ዝዓመጹዋ ድማ ትገልጽ። ሓኪማ ከም ዝገልጾ ሕጂ ምሕረት ከቢድ ጥዕናዊ ጸገም ኣጋጣሚዋ ክሳብ ነፍሳ ከተሕልፍ’ውን ፈቲና ምንባራ ይነግር።

ጨና ኣብ ዝተባህለ ካልእ ቦታ ኣምሓራ’ውን ብዙሓት ደቀንስትዮ ምዕማጽን ይፍለጥ። ሓንቲ ካብኣተን ጓል 25 ዓመት ኣይነኣለም* ኢያ። ንሳ ከም እትሕብሮ ድማ ኣብ መስከረም 2፡ 2021 ሰለሰተ ወታሃደራት ትግራይ ከም ዝዓመጹዋ ትነግር። እቶም ወታሃደራት ኣብ ዝጋሰሱላ ዝነበሩ እዋን ድማ ዓሌታዊ ጸርፊን ዘለፋን የውርዱላ ምንባሮም ትዛረብ። ድሕሪ’ቲ ጾታዊ መግሃስቲ ጥንሲ እኳ እንተ ሓዘት፡ ዳሕራይ ግን ከም ዘስደደቶ ድማ ትሕብር።

“እቲ በሰላ ንወለዶታት’ዩ ዝቕጽል”

– ካትሪን ኩፐንስ፡ ዳይሬክተር ትካል ዶ/ር ዴኒስ ሙክዌጌ ፋውንዴሽን

ድሕሪኡ ዝሰዓበ

ኣብቲ ዶራን መሬት ሱዳን ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ግዜያዊ ቴንዳታት ፋሕ ኢሎም ይርኣዩ። ካብ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽበ ሓበሬታ እቶም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኢትዮጵያውያን ልዕሊ 70-ሽሕ ከም ዝበጽሑ ይጠቅስ።

ዘይከም ካልኦት ስደተኛታት ግን እዚኣቶም ምስቲ ከባቢኦም ብቐሊሉ ክቀራረቡን ክለማመዱን ኣይረኣዩን። ውሑዳት ጾታዊ መግሃስቲ ዘጋጠመን እንተ ዘይኰይነን ከኣ ብዙሓት ዝሓለፉዎ ጕዕዞ ከካፍሉ ፍቓደተኛታት ኣይመስሉን። ውሑዳት ግን ን CCIJ ክዛረባ ክኢለን’የን። ኵላተን እተን ምስክርነት ዝሃበ፡ ኣብ ዕድመ ገፊሕ ጋግ ደኣ ይሃሉወን እምበር፡ ታሪኸን’ሲ ኣዝዩ ዝመሳሰል’ዩ።

ጓል 65 ኣደ ካብ ዓደ-ባይ ዝተባህለ ቦታ ዝተመዛበለት ኰይና፡ ኣብ ለካታቲ 2013 (ለካታቲ 2021) ብሽዱሽተ ኣባላት ሚሊሻ ከም ዝተደፍረት ትሕብር። እቶም ዝደፈሩዎ ኣምሓርኛ ከም ዝተዛረቡ’የ ነጊራ። ኣካል’ቲ ኣንጻር ትግራይ ዝዋጋእ ዝነበረ ሚሊሻ ክልል ኣምሓራ ምዃኖም ድማ ትኣምን።

ሃንደበት ናብ ገዛይ፡ ሰብ እናርዓዱን ድምጺ እናገበሩን ወታሃደራት መጺኦም። ገዛ-ገዛ እናኸዱ’ዮም ይፍትሹ ነይሮም። ዓበይ’የ በጃኹም ግደፉኒ ኢለ ለሚነዮም። ካብ ሓሳባቶም ግን ኣይተዓግቱን፡” ትብል እታ ኣደ ንብዓት እናሰዓራ።

ሕጂ እቲ ሕማቕ ዝኽሪ ጥራይ ዘይኰነስ እንኮላይ ሕፍረት’ያ ተሰኪማ ዘላ። ደቃ ዓበይቲ ደኣ ይዅኑ እምበር ከም ዘይፈልጡ ድማ ትዛረብ። “ከመይ ኢለ’ሞ ክነግሮም? ንዓይ ዘጋጠመኒ ኣዝዩ ዘሕንኽን ንምጋሩ ዘጸገምን’ዩ፡” ትብል።

ናይ ቅድም ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝነበረት ጓል 37 ዓመት ካልእ ኢትዮጵያዊት ብወታህደራት መንግስቲ ምድፋራ ክትኣምን ጸጊሙዋ’ዩ። ንሳ’ውን ኣብ ዓዲ ገሹ፡ ገዛ-ገዛ እናኸዱ ፍተሻ ክገብሩ ከለዉ ኣብ ጥሪ 2021 ምዕማጻ ትዛረብ።

“ወታሃደራት መንግስቲ ገዛ-ገዛ እናኣተዉ ደገፍቲ ህወሓት ይደልዩ ነይሮም። ደጋፊት ህወሓት ዘይምዃነይ ነጊረዮምን ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ምዃነይ ዘርኢ ወረቐት ኣቕሪበሎምን። ገጸይ ጸፊዖም ድማ እናተበራረዩ ደፊሮምኒ፡” ትብል።

ጓል 21 ካልእ ሰብ ጠንቂ ሞት ሓዋ ንሳ ምዃና’ያ ትኣምን። “ኣነ እንተ ዘይነብር ብህወይት ምሃለወ፡” ድማ ትብል። ኣብ መጋቢት 2012 (መጋቢት 2021) ኣባላት ሚሊሻ ኣምሓራ ምዃኖም እትኣምን ዕጡቓት ናብ ገዛኣ ኣብ ዓደ’ባይ መጺኦም።

“ናብ ገዛና መጺኦም ክዝርፉን ክራስዩን ጀሚሮም። ብእኡ’ውን ደው ኣይበሉን፡ ዓሚጾምኒ። ሓወይ ከድሕነኒ ኢሉ ክቃለሶም ፈቲኑ። ከድሕነኒ ግን ኣይከኣለን። ንዓይ ተጋሲሶም ምስ ወድኡ ንደገ ኣውጺኦም ቀቲሎሞ፡” ትብል፡ እታ ጓል 21 ዓመት ዜጋ።

ካልእ ጓል 52 ዓመት ኣደ፡ ካብ ዓደ’ባይ ተመዛቢላ ዝመጽአት ኰይና ንሳን ደቃን ዝነበረን ህይወት እናዘከረት ተስተንትን። ብለካታቲ  2013 (ለካታቲ 21 2021) ትሽዓት ኣባላት ሚሊሻ ኣምሓራ ምዃኖም እትገልጾም ዕጡቓት ናብ ገዛኣ መጺኦም ወርቃን ገንዘባን ክትህቦም ሓቲቶማ።

“ነቲ ሽልማት ወሲዶም ክወጽኡ እናተቐረቡ፡ እቶም ሰለስተ ክጋሱሲኒ ከም ዝደልዩ ምልክት ኣርእዮም። ንዓይ ዋላ ድላዮም ገይሮም ንጓል ክምሕሩዋ ለሚነዮም። ግን ደው ኣይበሉንል እናተብራረዩ ነተን ደቂ 19ን 25ን ደቀይን ንዓይን ዓሚጾምና፡” ትብል።

ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ንሳን ክልተ ደቃን ሕክምናዊ ሓገዝን ምኽሪን ከም ዝረኸባ ትሕብር።

ፈለማ ኣብ ትግራይ ጾታዊ ዓመጻት ክርአ እንከሎ፡ ዶክተር ፋሲስካ ዓምደስላሴ፡ እተን ግዳያት ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም’ውን ምትራፈን ይነግር። ሓያሎ እቲ ክስተት ዘጋጠመን ድማ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጭንቀትን ናብ ነብሰ-ቅትለት ዝመርሕ ምውስዋስን ምርኣየን እቲ ዶክተር ይምስክር። ካልኦት ድማ ናይ ጸቕቲን ምምዝባል ንቡር ህይወትን ምርእየን ይውስኽ። “ገሊኣተን ነብሰን’ውን ክፈልጣ ኣይከኣላን፡ ኣእምሮአን ስሒተን’የን።”

ኣብ ሱዳን ኣብ መዓስከር እትሕክም ነርስ “መብዛሕትአን ነብሰን ከግልላ’የን ዝርኣያ። ኵሉ ሰብ ብዛዕባአን ከም ዝፈልጥ ኰይኑ ይስምዐን፡” ትብል።

ጓል 15 ዓመት መንእሰይ ኣብ ማይ-ካድራ ብኣርባዕተ ኣባላት ሚሊሻ ኣምሓራ ድሕሪ ምዕማጻ፡ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ነብሳ ቀቲላ።

ነተን ኣሰቃቒ ግፍዒ ሰጊረን ሕጂ ኣብቲ መዓስከር ዘለዋ፡ እቲ ንቕድሚት ዝጥምታሉ እንኮ መገዲን ቍስለን ዘሕውያሉን፡ ኣብ ሕወየትን ምስ ዝሰርሓ ጥራይ’ዩ። እቲ ዝኽሪ ግን ዘይሕከኽ በሰላ ኰይኑ ንዓመታት ምስአን ክጸንሕ ምዃኑ ኣይዝንግዓን።

*ንድሕነትን ኣስማት ግዳያት ተቐዪሩ’ዩ።

እዚ ምርምራዊ ጽሑፍ ብምሕብባር ኢንዶውመንት ንደሞክራሲ (National Endowment for Democracy) ዝተኸናወነ’ዩ።

“በዓል ቤተይ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኣይፈልጥን እዩ። ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዝና ኣይተራኸብናን፡ ብህይወት ኣሎ ድዩ ሞይቱ’ውን ኣይፈልጥን።

ብዛዕባ’ቲ ዘጓነፈኒ ክፈልጥ ኣይደልዮን’የ።

እዚ ዅሉ ረሲዐ ነቲ ዝሓለፈ ህይወተይ እንተዝመልሶ ጥራይ እየ ዝምነ።”

– ጓል 39 ዓመት ትግራወይቲ ኣደ።

ቦርድ ምስንዳእ ሲሲኣይጂ (CCIJ)

ምስንዳእ

ሊድያ ናሙቢሩ

ያፋ ፍረደሪክ

ሓበሬታ (ዳታ)

ሶትሪስ ሲድሪስ

ዩሺ ዋንግ

ዲዛይን

ጁሊያን ዱዚያክ

ስካት ሎዊስ

VEZA

Visual, data-driven investigative journalism.

About Veza

Veza is a digital publication produced by the Center for Collaborative Investigative Journalism (CCIJ).

We are committed to a model of journalism that holds investigative reporting, data science, and visual journalism as equal partners in producing reporting that focuses on vulnerable communities.

Investigative Series

More than half of South Africa’s sewage treatment works are failing

H2OFail

Close to 1 billion people do not have access to clean water. H2OFail is an ongoing investigation into the causes and consequences of that global failure.

Tapped Out is a collection of stories around power, justice and water in the American West.

An international investigation into the global lottery industry involving close to 40 people from 10 countries working in journalism and civic tech organizations in Africa, Europe and the United States.